Information på tigrinja

ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣመዛጋግባ ኣብ መዋእለ-ህጻናት(förskola) ን መጽንሒ-ህጻናትን(fritidshem)!

ኩሉኹም ውለዲ ተማሃሮ ኣብዛ ሓዳስ Edlevo- app(ኤድሌቩ-ኣፕ)፣ ናይ ደቅኹም ኣብ መዋአለ-ህጻናትን ምጽንሒ ህጻናትን ፣ ግዜኦም ክትምዝግቡሎም ይግባእ። ከምኡ ውን ህጻን/ተማሃርይ ምስ ዝቦኩር ኣብዚ ኣፕ ይምዝገብ። ናትኩም ሓበሬታ፣ተለፎን…. ካኣ ኣብዚ Edlevo-app ክትምዝግቡ ይግባእ።

ኣብዚ ዝስዕብ ብምጥዋቕ Edlevo-app(ኤድለቩ-ኣፕ) ኣብ ቴለፎና ወይ ኣብ ካልእ ክነውርድ ንኽእል።

Information om var du hämtar Edlevo - app för vårdnadshavare och hur du loggar in kan du läsa om här. External link.

ምምዕርራይ ክፍሊት ዝምልከት

ካብ ጥሪ 2022 ዝጀመረ ምትዕርራይ ናይ ክፍሊት ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ኣቲኩም ምምልካት ይካኣል። Länk till taxan på hemsidan. External link.

ወርሓዊ ካብ ባንክኻ ብቐጥታ ነቲ ናይ ውላድካ ቦታ ምክፋል( Abonomanng av plats)፣

ምስ ኮሙን ብምርድዳእ ድማ ነቲ ወርሓዊ ክፍሊት ብቐጥታ ካብ ባንክኻ ባዕሎም ከም ዝወስዱ ምግባር ይካኣል። ስራሕ ምስ ተቃርጽ፣ ወይ ውን እታ ኣደ ቆልዓ ወሊዳ ገዛ ኮፍ ምስ ትብል ግና፣ ከምቲ ኣቐዲምና ንጥቀመሎም ዝነበርና ኣገባባት ንኽተል። እቶም ሕግታት ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋክ ክንሪኦም ይካኣል።
Länk till reglerna. External link.

ህጻን ዝማሃረሉ/ዝጸንሕሉ ግዜ፣

ህጻን ዝማሃረሉ ወይ ዝጸንሓሉ ግዜ ኣብ ኤድለቩ, Edlevo-app ክምዝገብ ኣለዎ። ሓበሬት ኣብዚ ሊንክ ምምልካት ይካኣል።
Länk till schemasidan External link.

እቲ ወርሓዊ ክፍሊት ኣብ ኣታዊኹም ስለ ዝምርኮስ፣ ካብ ስራሕ ምስ ተቃርጹ ወይ ኣደ ቆልዕ ምስ ትኾኑ ድማ ናብ barnomsorgshandläggare ክንሕብር ኣለና።

ኣገደስቲ፣

  • ኣብቲ ትምዝግብዎም ግዝያት ናይ ደቅኹም፣ ክትቅይሩ ይካኣል እዩ። ግና ቅድሚ 1 መዕልቲ ናይቲ ዝኣኽለሉ ግዜ ክኸውን ኣለዎ።
  • ስራሕኩም ቀዋሚ ምስ ዘይከውን እሞ ኣብ ግዜ ናይ ደቅኹም ምምዕርራያት ምስ እትደልዩ፣ ኣብ Edlevo ምምዝጋብ ወይ ውን ኣብቲ ውላድኩም ዝመሃረሉ ብምኻድ ምሕባር ይካኣል።
  • እቲ ዝነበረ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣገባብ ኣመዘጋግባ፣ ኣብ mina sidor ተሪፉ እዩ። በዚ ሓድሽ Edlevo-app ተተኪኡ ስለ ዘሎ።

ብኩራት ተማሃራይ ኣበይ ንምዝግቦ?

ብኩራት ኣብ Edlevo-app ይምዝገብ። ንዝያዳ ሕበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ብምጥዋቕ ንመልከት፣ Länk till sidan om frånvaroanmälan. External link.

ኮምኡ ውን ን ቤት ትምህርቲ ክንሕብር ኣለና።

ናትካ ሓበሬታ ቅኑዕ ምኻኑ ኣረጋግጽ፣

እቲ ናትካ ሓበሬታ ኣብ Edlevo-app ይምዝገብ። ቅኑዕ ክኸውን ድማ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ክንረኽበካ/ክንድውለልካ እንደሊ ግዜ መታን ብቐሊሉ ክንረኽበካ። ሓበሬታ ኣብዚ ምምልካት ይካኣል፣ Länk till sidan Ändra dina kontaktuppgifter External link.

ፋክቱራ፣ Faktora ዝምልከት፣

ፋክቱራ ዝስደድ የለን፣ ተሪፉ እዩ። ውላድካ ዝጸናሓሎም ግዚያት ክትሪኢ ምስ እትደሊ

ግና ኣብ Edlevo-app ኣቲኻ/ኺ ምምልካት ይካኣል እዩ።

Kontakta oss

Social- och utbildningsförvaltningen
social.utbildning@ludvika.se
0240-860 00

Sidan uppdaterades: